እዚ ናይ ህዝቢ ቆጸራ እንታይ እዩ?
ናይ ህዝቢ ቆጸራ ኣብ 10 ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ ዳህሳስ ኮይኑ፤ ናይ ኩሎም ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ዌልስን ዝርከቡ ሰባትን ስድራቤታትን ስእሊ ይህብ። ዝመጽ እ ናይ ህዝቢ ቆጸራ ብሰንበት 21 መጋቢት 2021 ክካየድ እዩ።
ኣብ ናይ ህዝቢ ቆጸራ ዝተኣከበ ሓበሬታ ኣብ ከባቢታት ኣገልግሎት ኣብ ምውጣንን ምምዋልን ይሕግዝ፤ እዚ ድማ እንተላይ ናይ ቋንቋ ኣገልግሎት የጠቓልል። ን ኣብነት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥ ዕና (ኤን ኤች ኤስ) ኣብ ውሱን ቦታታት ናይ ምትርጓም ኣገልግሎት ምሃብ የድልዮ ይኸውን።
The Office for National Statistics (ቢሮ ንሃገራዊ ስታቲስቲክስ) (ONS) ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ዌልስን ናይ ህዝቢ ቆጸራ ይውጥንን የካይድን።
ኣብዚ ናይ ህዝቢ ቆጸራ ክሳተፍ ዝግበኦ መን እዩ?
ኣብ ናይ ህዝቢ ቆጸራ ብብዛዕባኹምን ስድራቤትኩምን ሕቶታት ክትሕተቱ ኢኹም፤ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝን ኣብ ዌልስ ዝርከብ ሰብ ተሳርፎ ኣገዳሲ እዩ።
ብሕጊ ኣብዚ ናይ ህዝቢ ቆጸራ እዚ ክትሳተፉ ይግባኩም
ኣብ ቆጸራ ህዝቢ ጌጋ ሓበሬታ ምሃብ ወይ ዘይምስታፍ ወንጀል እዩ፤ ክሳብ £1,000 ከኣ ክትቅጽዑ ትኽእሉ ኢኹም። ገለ ገለ ሕቶታት ወለንታዊ ምዃኖም ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ነዚኦም እንተ ዘይመሊስኩም ወንጀል ኣይኮነን።
ኣብ ዩኬ ካብ 3 ወርሒ ዝተሓተ ግዜ ምጽናሕ
ኣብ ዩኬ ካብ 3 ወርሒ ንታሕቲ ትጸንሑ እንተኾይንኩም፤ ነቲ ናይ ህዝቢ ቆጸራ ቅጥዒ ናይ ምምላእ ሓላፍነት የብልኩምን። ወናኒ ናይ መንበሪ ቦታኹም ዝርዝር ናይቶም ኣብ ገዛ ዘለዉ ምእንቲ ክጽሕፍ ገለ ሕቶታት ክሓተኩም ይኽእል እዩ።
ናይ ህዝቢ ቆጸራ ቅጥዕኹም መዓስ ትመልኡ?
ኩሎም ስድራቤታት ነቲ ናይ ህዝቢ ቆጸራ ቅጥዒ ብሰንበት 21 መጋቢት 2021 ወይ ብድሕሪኡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ቀረባ ግዜ ክመልኡ ይግባእ።
ኣብ እዋን ናይ ኮሮና ቫይረስ ለበዳ ኩነታትኩም ተቐይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኩሎም እቶም ሕቶታት በቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ኩነታት ምርኩስ ብምግባር መልሱ።