Dywedwch wrthym a ydych chi'n derbyn cwcis ons.gov.uk

Rydym ni’n defnyddio cwcis i gasglu gwybodaeth am y ffordd rydych chi’n defnyddio cyfrifiad.gov.uk. Rydym ni’n defnyddio’r wybodaeth hon i sicrhau bod y wefan yn gweithio cystal â phosibl ac i wella ein gwasanaethau.

You have accepted all additional cookies. You have rejected all additional cookies. You can change your cookie preferences at any time.

Neidio i’r prif gynnwy

እዚ ናይ ህዝቢ ቆጸራ እንታይ እዩ?

ናይ ህዝቢ ቆጸራ ኣብ 10 ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ ዳህሳስ ኮይኑ፤ ናይ ኩሎም ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ዌልስን ዝርከቡ ሰባትን ስድራቤታትን ስእሊ ይህብ። ዝመጽ እ ናይ ህዝቢ ቆጸራ ብሰንበት 21 መጋቢት 2021 ክካየድ እዩ።

ኣብ ናይ ህዝቢ ቆጸራ ዝተኣከበ ሓበሬታ ኣብ ከባቢታት ኣገልግሎት ኣብ ምውጣንን ምምዋልን ይሕግዝ፤ እዚ ድማ እንተላይ ናይ ቋንቋ ኣገልግሎት የጠቓልል። ን ኣብነት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥ ዕና (ኤን ኤች ኤስ) ኣብ ውሱን ቦታታት ናይ ምትርጓም ኣገልግሎት ምሃብ የድልዮ ይኸውን።

The Office for National Statistics (ቢሮ ንሃገራዊ ስታቲስቲክስ) (ONS) ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ዌልስን ናይ ህዝቢ ቆጸራ ይውጥንን የካይድን።

ኣብዚ ናይ ህዝቢ ቆጸራ ክሳተፍ ዝግበኦ መን እዩ?

ኣብ ናይ ህዝቢ ቆጸራ ብብዛዕባኹምን ስድራቤትኩምን ሕቶታት ክትሕተቱ ኢኹም፤ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝን ኣብ ዌልስ ዝርከብ ሰብ ተሳርፎ ኣገዳሲ እዩ።

Warning:

ብሕጊ ኣብዚ ናይ ህዝቢ ቆጸራ እዚ ክትሳተፉ ይግባኩም

ኣብ ቆጸራ ህዝቢ ጌጋ ሓበሬታ ምሃብ ወይ ዘይምስታፍ ወንጀል እዩ፤ ክሳብ £1,000 ከኣ ክትቅጽዑ ትኽእሉ ኢኹም። ገለ ገለ ሕቶታት ወለንታዊ ምዃኖም ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ነዚኦም እንተ ዘይመሊስኩም ወንጀል ኣይኮነን።

Important information:

ውልቃዊ ሓበሬታኹም ብሕጊ ዝተሓለው እዩ፤ ብምስጢር ከኣ ክተሓዝ እዩ

ኣብ ዩኬ ካብ 3 ወርሒ ዝተሓተ ግዜ ምጽናሕ

ኣብ ዩኬ ካብ 3 ወርሒ ንታሕቲ ትጸንሑ እንተኾይንኩም፤ ነቲ ናይ ህዝቢ ቆጸራ ቅጥዒ ናይ ምምላእ ሓላፍነት የብልኩምን። ወናኒ ናይ መንበሪ ቦታኹም ዝርዝር ናይቶም ኣብ ገዛ ዘለዉ ምእንቲ ክጽሕፍ ገለ ሕቶታት ክሓተኩም ይኽእል እዩ።

ናይ ህዝቢ ቆጸራ ቅጥዕኹም መዓስ ትመልኡ?

ኩሎም ስድራቤታት ነቲ ናይ ህዝቢ ቆጸራ ቅጥዒ ብሰንበት 21 መጋቢት 2021 ወይ ብድሕሪኡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ቀረባ ግዜ ክመልኡ ይግባእ።

ኣብ እዋን ናይ ኮሮና ቫይረስ ለበዳ ኩነታትኩም ተቐይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኩሎም እቶም ሕቶታት በቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ኩነታት ምርኩስ ብምግባር መልሱ።